ኣመሪካ ንመንግስቲ እስራኤል ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ኣብ ቓዛ ህጹጽ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ከረጋግጽ እንተዘይክኢሉ ገለ
ወተሃደራዊ ሓገዝ ከተቋርጽ ምዃና ኣፍሊጣ። እዚ እስራኤል ዝጸዓነቶ “ክባ ሰሜናዊ ቓዛ” ከብቅዕ ዝጽውዕ ጽንክር ዝበለ
ደብዳበ፡ ካብ ምምሕዳር ባይደን ንመዘናኡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናተንያሁ በጺሑ’ሎ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ
ዘሎ ኩነታት “ተስፋ ዘቚርጽ’ዩ” ዝበለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕሪ ልዕሊ ክልተ ሳምንታት ናብቲ ከባቢ ፈላማይ ሓገዝ መግቢ
ከብጽሕ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣስታት 400 ሽሕ ፍልስጤማውያን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ከም ዘለዉ ዝገለጸ ውድብ ሕቡራት
ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብደብዳብ እስራኤል ዝተፈጸመ መቕተልቲ ሲቪላውያን ኮኒኑ’ሎ። እስራኤል ነቶም ኣብ ሰሜን
ዳግማይ ዝተጠርነፉ ዕጡቓት ሓማስ ካብ ሱሮም ትምሕዎም ከምዘላ እያ ትገልጽ። ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዒላታት ማይ፣ እንዳ
ሕብስቲ፣ ሕክምናዊ ነቚጣታትን መዕቆቢታትን ክዕጸዉ ምግዳዶም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ’ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ “ንኣኼባ ባይቶ ምምሕዳር ከተማ ኮነ ኢሉ ዒላማ ዝገበረ” ክብል ብትሪ
ኮኒንዎ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ናጂብ ሚካቲ “እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ ምስ ኩሉ እቲ ጸላኢ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት
ዝፈጸመቶ ገበናት ተደሚሩ፡ ውጥን ናይዚ ጎበጣን በደልን ብስቕታ ዝሓልፍ ዓለም’ዩ፡፡ እስራኤል ትፍጽሞ በደላቱን ገበናትን
ክቕጽል ድማ ዘተባብዕ’ዩ” ኢሉ። ብተወሳኺ፡ “ኩለን ሃገራት ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሊባኖስ ዝፍጸም ዘሎ ቅሉዕ ወራር ክዓግታ
እንተዘይክኢለን”፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ተኹሲ ደው ምባል ምሕታት ትርጒም የብሉን ክብል ገሊጹ’ሎ።