ካብ ሎሚ ዕለት 15/07/2020 ጀሚሩ ናብ ጀርመን፡ ፖላንድን ኣንዶራን ዝጸንሐ ናይ መገሻ እገዳ ከምተላዕለ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ሓቢሩ። ናብ ስዊዘርላንድ ዝግበር ዘይተደልየ መገሻታት ንምቑጣብ ዝሕብር መምርሒ ግን ይቕጽል ምህላዉ ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣብ ክልተ ሰሙን ብዛዕባ መገሻታት ዝርከብ ሓድሽ ሓበሬታት ከመሓላልፍ ምዃኑ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር። ኣብ ዕለት 29/07/2020 ድማ ካልእ ሓበሬታታት ከመሕላልፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ እገዳ ዘይተደልየ መገሻታት ካብ በልጂም፡ ፈረንሳይ፡ ግሪኽ፡ ኣይስላንድ፡ ጣልያን፡ ክሮኤሽያ፡ ሞናኮ፡ ሎክሶምበርግ፡ ፖርቱጋል፡ ሳንማሪኖ፡ እስፓኛ፡ ሃንጋሪን ቫቲካንን ከምዘልዓለ ይዝከር።
ናብተን ዝተረፋ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረትን ዓዲ እንግሊዝን ድማ እገዳ ዘይተደልየ መገሻታት ክሳብ ዕለት 29/07/2020 ክቕጽል ምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣዘኻኺሩ።
ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ወጻኢ ንዝግበር መገሻታት ዝጸንሐ እገዳ ክሳብ 31/08/2020 ክጸንዕ ምዃኑ ወጻኢ ጉዳያት ሓቢሩ።
ናብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝግበር ናይ መገሻ ኩነታት ዘተኣማምን ከምዘይኮነን እቶም ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዝረኣዮም ሰባት ካብ መገሻ ክቑጠቡ ከምዝግባእ ሚኒስተር ሊንዲ ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገጻታ ሓቢራ።
ክገይሽ ዝመደበ ሰብ፡ ኣንፈት ናይ መገሽኡ ዝሕብሮ ናይ መድሕን ጽሑፋት ብዕቱብ ከንብብ ከምዝግባእን መምርሒታት ሰብ መዚ ጥዕናን ክከታተል ከምዝባእ ሚኒስተር ሊንዲ ወሲኻ ገሊጻ።
ናብ ካልእ ሃገር ዝገሸ ዜጋ፡ ናብ ሽወደን ንኽምለስ ጸገማት እንተ ኣጋጢምዎ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሓገዝ ክገብረሉ ከምዘይክእል ብምሕባርን ናይ ኩነታት ምዕባለ ንኽከታተል ድማ UD rseklar ዝበሃል ፕሮግራም ከውርድ ከምዝግባእ ሚኒስተር ሊንዲ ብተወሳኺ ገሊጻ።
መንግስቲ ጀርመን፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ናብ ሽወደን በጺሖም ዝተመልሱ ገያሾ ጸኒዑ ዝነበረ ናይ 14 መዓልታት ውሸባ ከምዘልዓሎ ትማሊ ሰሉስ ምሕባሩ ተፈሊጡ።