ንገበናት ክብረትን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ዝምልከት ውጥን ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ከምዝተበገሰ ሚኒስተር ፍትሒ፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ኣቃሊሑ። ነዚ እማመ ምርኩስ ብምግባር፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም መርዓ ትሕተ ዕድመ ዝፍጽሙ ሰባት ከቢድ ስጉምቲ ንኽወስድ ቅርብነቱ ገሊጹ። ብተወሳኺ ድማ እቲ እማመ ነቶም ሓደጋ ናይ ትሕተ ዕድመ መርዓ ከጋጥሞም ዝኽእል ህጽናት ኮነ ናይ ምኽንሻብ ሓደጋ ዘንጸላልዎም ህጻናት ናብ ወጻኢ ንኸይገሹ ዝእግድ እዩ። ነቶም ኣብ ልዕሊ ክብረት ደቂ ሰባት ገበናት ዝፍጽሙ ኣካላት ድማ ከቢድ ስጉምቲ ንኽውሰደሎም እቲ እማመ ብተወሳኺ ይጽውዕ።
ደቅና ውልቃዊ ንብረት ናይ ስድራቤትና ኣይኮኑን፡ ስለዝኾነ ድማ ነዚ ጉዳይ ዝምልከቱ ሕጋጋት ከም እንደገና ምምሕያሽ ክግበረሎምን ተግባራውነቶም ድማ ካብ 1 ሓምለ 2020 ክጅምር ከምዘለዎ ሚኒስተር ፍትሒ፡ ዮሃንሰን፡ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ብመሰረት ሓድሽ እማመ ሕገ መንግስቲ፡ ብመርዓ ትሕተ ዕደመ ኮነ ክሽቦ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተሓሓዝ ህጻናት ንወጻኢ ሃገር ከግይሽ ዝተረኽበ ውልቀ ሰብ እንተ በዝሐ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ክብየነሉ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።
እቶም ንመርዓ ትሕተ ዕድመ ብኣፍልጦ ይኹን ብዘይ ኣፍልጦ ዝተሓባበሩ ሰባት ውን ኣብቲ ናይቲ እማመ መቕጻዕቲ እቱዋት እዮም። ኣብ መጨረሽታ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ክብረት ደቂ ሰባት ገበናት ዝፍጽሙ ኣካላት፡ እቶም ዝፍጸሙ ገበናት ናይ ቅትለት ይኹን ናይ ማህሰይቲ ዓይነቶም ብዘየገድስ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ’ዞም ገበነኛታት ፍሉይ ስጉምቲ ክውሰደሎም ይጽውዕ።