ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ማግዳሊና ኣንደርሰን ስደተኛታት ደቀንስትዮ ናብ ዕዳጋ ሽቕለት ምእታወን ንህንጸት ሽወደን ኣደንፊዕዎ እዩ ክትብል ገሊጻ። “ሽወደን ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት እፊ ዝለዓለ መጠን ዕድመ ዝበጽሑ ሰራሕተኛታት ዘለዉዋ ሃገር እያ። እቲ ጸገም ኣብ ወጻኢ ዝተወልዳ ደቀንስትዮ ካብዚ ቊጽሪ ክእለያ ምጽንሐን እዩ” ክትብል ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጻ ኣብ ዘስፈረቶ ዓንቀጽ ኣብሪህ። ቊጽሪ ኣብ ወጻኢ እተወልዳ ሰራሕተኛታት ደቀንስትዮ ምስ ደቀባት ኣውሮጳዊ ሕብረት ተመጣጣኒ ምዃኑ ይሕበር። ብመንጽር ሽወደን እዚ ቊጽሪ ዝተሓተ እዩ። ስለዚ ድም ኣብ ወጻኢ ዝተወልዳ ሰራሕተኛታት ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ዘለወን ቊጽሪ ንምድንፋዕ መንግስጊ ሰለስተ ስጒምቲታት ወሲዱ’ሎ። እቶም ስጒምቲታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
1. ምስራዝ ኣበል ክንክን ህጻናት። እዚ ብመንግስቲ ሉፈን ዝተዋህበ ካብ 1-3 ዓመት ንዝዕድሜኦም ቈልዑ ወለዲ ኣብ ቤቶም ኰኖም ንኽኣልይዎም ዝሕግዝ ኣበል ደቀንስትዮ ካብ ስራሕ ንኽቦኽራ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ተባሂሉ ተገምጊሙ’ሎ። እቲ ሚኒስተር ሓደስቲ መጻእተኛታት ደቀንስትዮ ናብ ስራሕ ብቕልጡፍ ክኣትዋ ዘኽእለን ናይ ስልጠና ፕሮግራማት ኣዳልዩ ምህላዉ ድማ እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ’ሎ።
2- ሓደስቲ መጻእተኛታት ቋንቋ ሽወደን ብዝቐልጠፈ ዝመልኩሉ ናይ ቋንቋ ስልጠና ካብ ፈለማ መዓልቲ ጀሚሩ ክተኣታቶ ክገብር ጸኒሑ’ሎ። ብመሰረት ሚኒስተር ፋይናንስ” ደቀንስትዮ ብረሃጸን ክነብራ ክንሕግዘን ግቡእ እዩ። ደቀንስትዮ ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ኣተየን ክዕወታ እንተጀሚረን ማዕከን ሽወደን ብ 40 ቢልዮን ክሮና ክዓቢ ክገብራ እየን ድማ ኢላ’ላ።