ቁጠባ ሽወደን ብኸፊል ምሕዋይ የርኢ ምህላዉን ኣብዚ ዓመትዚ ሓፈሻዊ ኣታዊ እታ ሃገር ናይ 6% ጥራይ ምንቁልቋል ከርኢ ተኽእሎታት ኣሎ ክብል መንግስቲ ሽወደን ከም ከምዝሓበረ ኣገልግሎት ዜና TT ኣመሓላሊፉ።
“እዚ ኩነታት ካብቲ ዝፈራህናዮ ዝሓሸ እዩ ኔሩ” ክትብል ሚኒሰተር ፋይናንስ ማግዳሊና ኣንደርሰን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢራ። ቁጠባ ሽወደን ድሕሪ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ምውራዱን ሕጂ ንላዕሊ ናብ ዝሓኽረሉ ደርጃ ይመጣጠር ምህላዉን ድማ ኣመልኪታ።
ሓፈሻዊ ኣታዊ ብ7% ክወርድ እዩ ዝብል ግምታት መንግስቲ ብምስራዝ ድማ’ዩ ናብ 6% ጥራይ ከም ዝድረት ዝግለጽ ዘሎ።
ኩነታት ወፍሪ ኣጸቢቑ ብምንቁልቋሉ፡ ኩባንያታት ናይ ወፍሪ ድርኺተን ክንክያ ተራእየን። ይኹን እምበር ኣብ ጽላት ኣገልግሎት ዝሓሸ ምንቅስቓስ ምህላዉ ኣንደርሰን ኣመልኪታ’ላ።
ሽቅለት ኣልቦነት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ናብ 9.3% ክብ ክብል ከምዝኽእል ሓድሽ መንግስታዊ ግምታት ካብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝነበረ ግምት (11%) ዝወሓደ ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ። ሽቕለት ኣልቦነት ዝመጽእ ዓመት ናብ 10.3% ክዓቢ ከም ዝኽእል መንግስታዊ ትጽቢት ምህላዉ እውን ተገሊጹ።
ቁጽሪ ካብ ስረሖም ዝሰናበቱ ሰራሕተኛታት ዋላኳ ምስ ወርሒ መጋቢት ዝወዳደር እንተዘይኮነ ዛጊት ልዑል ምህላዉ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብሩ።
ቅድሚ ምጅማር ቅልውላው፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ሽወደን ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝለዓለ ምንባሩ ተንተንቲ ይገልጹ። እዚ ግና ትብል ኣንደርሰን ግጉይ ስእሊ ክህበና ኣይግባእን።
ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ምስ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ብምውድዳር፡ ሽወደን እታ ዝለዓለ መጠን ሽቕለት ዘለዋ ሃገር ኮይና ኣላ። ብኻልእ ወገን፡ ሃገረ ሽወደን እታ ዝወሓደ ዕዳ ዘለዋ ኤውሮፓዊት ሃገር ኮይና ኣላ ክትብል ኣንደርሰን ዘረባኣ ትዛዝም።