ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሎሚ ሰኑይ፡ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ብምብጻሕ፡ ምስ እስራኤላውያንን ፍሌስጠማውያን መራሕትን ክራኸብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ናብ ዮርሳሌም፡ ራማላ፡ ካይሮን ዖማንን ዑደት ድሕሪ ምክያድ፡ ሓሙስ፡ ናብ ኣሜሪካ ክምለስ መደብ ገይሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ዑደቱ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ዞባውያን መራሕቲ ክራኸብ ምዃኑ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ዝወጸ ሓበሬታ ገሊጹ።