ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብ ዮተቦሪ ኣብ ዝተኻየደ ክፉት መድረኽ ሕቶን መልስን ብዛዕባ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ዝበሎ ብዘይቅኑዕ ኣገባብ ተተርጒሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቋንቋ ዓረብ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሄተር ጸብጺባ። እተን ማሕበራዊ መራኸቢታት እስራኤል “ጃምላዊ ህልቂት ክትፍጽም መሰል ኣለዋ” ከም ዝበለ ጌረን ብምሕባር ሓበሬታ የዛብዓን ምስሊ ሸወደን ኣብ ወጻኢ ከም ዝድወን ይገብራ ምህላወን ብምምልካት፥ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጻውዒት ኣውጺኡ ኣሎ። ኣቐዲም ኣቢሉ’ውን ሽወደን ቆልዑ ወጻእተኛታት ትጨዊ እያ ዝብል ናይ ሓሶትን ጸለመን ወፍሪ ከም እተኻየደላ እቲ ሚኒስትሪ ዘኪሩ’ሎ። “ኣብዚ ምዝባዕ ሓበሬታ ኢድኩም ኣይትሓውሱ። ቀ/ሚ ዝበለ “ሽወደን ትዂን ሕብረት ኤውሮጳ እስራኤል ኣብ ውሽጢ መቓን ዓለምለኻዊ ሕጊ ርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዋ ዝብል ጽኑዕ መትከል ኣለወን ዝብል እዩ” ኢሉ። ኣብቲ ኣብ ዮተበሪ ዝተኻየደ ብሕቶን መልስን ዝተሰነየ ህዝባዊ ዘተ፡ እቲ ኣርእስቲ ኣብ ጒዳይ ግርጭት ሓማስን እስራኤልን ምስ በጽሐ ብፍልስጤማያን ብዝተኻየደ ረብሻ ከም እተቛረጸ ዝፍለጥ እዩ።