ሽወደናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ካብ ዝእሰር 18 ዓመታት መሊኡ’ሎ። ዓሚ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ውዕል ከቲማ እገዳ ምስ ተላዕለ ኲነታት ክመሓየሽ እዩ ዝብል ተስፋታት ኔሩ። እንተኾነ ግና ዳዊት ዛጊት ካብ ማኣሰርቲ ኣይተፈትሐን። ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ስድራኡ ብህይወት ይሃሉ ኣይፈልጡን እዮም፥ ንሰብመዚ ሓቲቶም ከኣ መልሲ ኣይተዋህቦምን ።
ኤርትራ መሰል ናጽነት ካብ ዘኽብራ ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተርታ ትርከብ ሃገር እያ። ኣብ ኤርትራ ሓሳባትካ ብናጻ ምግላጽ ዝበሃል መሰል የሎን። ኲሉ ናይ ሓበሬታ ማዕከናት ብመንግስቲ እታ ሃገር እዩ ዝውነን። ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር የማነ ገብረመስቀል ብዛዕባ ሃለዋት ዳዊት ኢሳቕ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ” እሱር ጋዜጠኛ የብልናን።” ክብል ክሒዱ’ሎ።