ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ኣን ሊንዲ፡ መርገጺ ሽወደን ልክዕ ከምቲ መርገጺ ኤውሮፓ ንጉዳይ ሰፈራታት እስራኤል ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣረጋጊጻ። መርገጺ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ሰፈራታት እስራኤል ከምቀደሙ ከም መርገጺ ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ከምዘሎን እስራኤል ድማ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ትጥሕስ ከምዘላ እታ ሚኒስተር ንመጽሔት ዳጊኒዝ ኒሃይተር ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ሓቢራ።
መግለጺ ሚኒስተር ሊንዳ፡ ነቲ ትማሊ ብመንገዲ ዋሸንግተን ንጉዳይ ሰፈራታት እስራኤል ሕጊ ዝጥሕስ ኣይኮነን ዝብል፡ መልሲ ከምዝኾነ ይንገር። መግሊጺ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ምስ መግለጺ ኤውሮፓዊ ሕብረት ብምውህሃድ፡ እስራኤል ንመስርሕ ምህናጽ ሰፈራታት ደው ከተብሎ ዝጽውዕ እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነት ንምፍታሕ ደገፍ ኤውሮፓዊ ሕብረት ቀጻሊ ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣረጋጊጹ።