ብመሰረት ተሌቪዥን ሽወደን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ልዕሊ ፍርቂ ኣብያተ ትምህርቲ መባእታ ብኲራት እኳ እንተርኣያ ድሕሪ ፋስጋ ግና ናብ ንቡር ምምላስ ጀሚረን ኣለዋ። ” ኣብዘን ዝዕጸዋ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሳመርን ቀዳመ ሰንበትን እቲ ንቡር ንጥፈት ምሃብ ምተኻእለ” ትብል ሚኒስተር ትምህርቲ ኣና ኤክስትሮም ን ኣገልግሎት ዜና ኤክስትሮም ሓቢራ። ” ተመሃሮ ምልክታት እቲ ሕማም ክሳብ ዘየርኣዩ ክሳብ ክንድዚ ካብ ትምህርቲ ክበዂሩ ጽቡቕ ድዩ ኣብ ዝብል ብወገነይ ጥርጥረ ኣሎኒ” ክትብል እታ ሚኒስተር ሻቕላኣ ገሊጻ’ላ።
በዚ ድማ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ምህሮ ጋግ ንምምላእ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ዕዳ ክህልወና እዩ። መንግስቲ ኣብዚ ቅልውላው እውን እንተኾነ ትምህርቲ ካብ ብኲራት ንምትራፍ ዝከኣሎ ክገብር ጸኒሑ እዩ ዝበለት እታ ሚኒስተር ምስ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ብምዃን ቈልዑ ብኸመይ ጥዕናኦም ክሕልዉ ከም ዝግባእን ብርሕቀት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝጸንሕሉን ሜላ ብምሕንጻጽ ንትፈቱ ክቕጽል ጸኒሑ እዩ ክትብል ወሲኻ ኣብሪሃ። ኤክስትሮም ንኣገዳስነት ትምህርቲ ብምስማር ትምህርቲ ቈልዑ ዝሕጎስሉ ቦታ እምበር ተገዲዶም ከም ዝኸድዎ ቦታ ኮይኑ ክስምዖም ኣይግባእን ኢላ። ተመሃሮ ይዂን መማህራን በዚ ሕማም ከይተሰናበዱን ዝግባእ እናገበሩን ዝምድናኦም ክቕጽሉ ድማ ተላብያ።