ሚኒስተር ምክልኻል: ፔተር ሁልትክቪስት: ነቲ ትካል ጸጥታ ሽወደን ምስታ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ተተሓሒዙ ንዝተፈጥረ ዘሕፍር ፍጻመ (cleaning scandal) ብዝምልከት ንዘወጸኦ መግለጺ ከምዝነቐፎ ተሓቢሩ።
ቅድም ክብል Säpo: ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ሓለዋ ናይ ዝግበረሎም ውልቀ ሰባት ዝምደቡ ሰራሕተኛታት: ኣመልኪቱ ንዓኣቶም ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ከምዘይብሉ ገሊጹ ከምዝነበረ ዝፍለጥ’ዩ።
“ኣነ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪተ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ኣይምሃብኩን ነይረ” ክብል ፔተር ሁልትክቪስት: ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ህዝብታትን ምክልኻልን (National Conference on People and Defence) ገሊጹ።
ብተወሳኺ’ውን እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ብሓፈሻ ንተግባራት säpo ብዝምልከት ሓሳባት ከምዝቕረበ ተፈሊጡ’ሎ።
ልክዕ ከምቶም ካልኦት ማሕበረሰባት ዝገብርዎ፡ ኣብቶም ዝስርሑ ተግባራት ብዝምልከት ብቐጻሊ ምምሕያሻትን ናይ ቁጽጽር መስርሓትን ምትእትታው ኣድላይ ከምዝኾነ ዘማላኽቱ ነገራት ከምዘለው እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣብዚ ሰሙን እዚ’ዩ Expressen ዝባሃል ዜና ማዕከን: ብዛዕባ እታ በዓል ልደት ቅድሚ ምእታው: ቅድሚ ቁሩብ ግዜ ገዛ ናይ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሊን ኣንደርሾን: ከተጽርይ ከላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወት ሰበይቲ ኣመልኪቱ ነቲ ኩነታት ዘቃለሐ።
ሓላፊ ጸጥታ ፖሊስ ዝኾነት ሻርሎት ቮን ኤሰን ብሰንበት እያ “እቲ ትካል ኣብ ልዕሊ እቶም ዘለው መምርሕታት ምምሕያሽ ዘድልይ እንድሕር ኮይኑ ክንፍትሽ ኢና” ክትብል ዘፍለጠት።