ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን፥ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ሽወደን ምብጻሕ ክፍጽም እዩ። ኦስቲን ዝገብሮ ምብጻሕ ን
መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሙስኮ ዘጠቓልል ክኸውን እዩ። እዚ ድሕሪ ጽባሕ ረቡዕ ዝጅምር ምብጻሕ፥ ኣመሪካ ምስ ሽወደን ክህልዋ
እትደልዮ ጥቡቕ ናይ ጸጥታ ምሕዝነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሽወደን ኣባል ኔቶ ንኽትከውን ዘለዋ ደገፍ እውን እትገልጸሉ ኣጋጣሚ እዩ
ክኸውን፡ ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ፖል ጆንሰን ሓቢሩ’ሎ።
እዚ ልዝብ ሽወደን ብዝቐልጠፈ ኣባል ኔቶ ምዃና ዘለዎ ኣገዳስነት ኣተኲሮ ክገብረሉ እዩ ተባሂሉ’ሎ።