ቤት ትምህርታት ናይ ምዕጻው እዋን ግዝይኡ ኣይኣኸለን ክብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ኣርደላን ሸካራቢ፡ ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን ኣድላይ ኮይኑ እንተድኣረኺብዎ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ቤት ትምህርታትን መዋእለ ህጻናትን ንኽዓጹ ቅድሚ ቅሩብ ሰዓታት ፍቓድ ብፓርላማ ከምዝተዋህቦ ይፍለጥ። ቤት ትምህርታት ክንዓጹ እንተድኣ ተገዲድና ኣቐዲምና እተን ስድራ ቤታት ገንዘባዊ ካሕሳ ክረኽባ ከምዘለወን ከነውሕስ ይግባኣና ክብል እቲ ሚኒስተር ንተለቪዥን ሽወደን TT ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ንኹለን ምምሕዳራት ቤት ትምህርቲ ናይ ምዕጻው መሰል ከምዝሃበን ይፍለጥ።
ብተወሳኺ ድማ ነቶም ወለዶም ኣብ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ቦታታት ዝሰርሑ ቆልዑ መውዓልን መዘናግዕን መእለይን ቦታታት ከዳልዋሎም፡ ከምኡ ውን ነቶም ፍሉይ ኣተሓሕዛ ሓገዝን ዘድልዮም ተማሃሮ ዘድሊ ነገራት ከዳልዋሎም እቲ ሕጊ ከምዝግድዶ ተፈሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ሽወደን ትምህርቲ ምስ ዝዓጹ፡ ነቶም ብመንገዲ ሕጊ ማሕበራዊ ውሕስነት ካሕሳ ዝኽፈሉ ወለዲ ብዝምልከት ፍሉይ ኣገባባት ንኽጥቀም ፍቓድ ካብ ፓርላማ ሓቲቱ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ማሕበራዊ ውሕስነት እኹልን ብቑዕን ንምግባር ዝግባእ ቅጥዕታት ኣብ ምምላእ ንርከብ ከብል ሽካርቢ ሓቢሩ።