ኣፍሪቃውያን፡ ንቋንቋ ስዋሂሊ እንተዝመልኩ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምግሃድ ዓቢ ተራ ምተጻወተ፡ ክብል ፕረሲደንት ኡጋንዳ፡ ዩወሪ ሙሰቨኒ፡ ገሊጹ።
ንሱ፡ ኣብ መዓልቲ ምውህሃድ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ቋንቋ ስዋሂሊ፡ ናይ ዝኾነ ብሄር ወይ ህዝቢ ቋንቋ ኣይኮነን፡ ናይ ኲልና እዩ፡ ስለዚ ድማ ንኽንሓብር ንስርሓሉ ክብል ተላብዩ።
ንሱ ወሲኹ፡ ኣፍሪቃውያን ሓደ ኢና፡ ስለዚ ድማ ዘይንሓብረሉ ምኽንያት የለን ኢሉ። ካብ ኣውሮጳውያን ንላዕሊ ክንሓብር ተኽእሎታት እናሃለወና፡ ናብቲ ኣንፈት ዘይምኻድና ዘገርም ኲነት እዩ ክብል ኣማሪሩ።
ቋንቋ ስዋሂሊ፡ ከም መለሳ ፈርንሳይኛን እንግሊዝኛን ኣብ ኣህጒር ኣፍሪቃ ዝዝረብ ኣፍሪቃዊ ቋንቋ ምዃኑ ይፍለጥ።