መፍረ መካይን ቮልቮ 1300 ካብ ሰራሕተኛታት ኦፊስ ብምንካይ ምጒዳል ሰራሕተኛታት ከካይድ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ኣሃዝ ኣብ
ሽወደን ዘለዉ 6% ሰራሕተኛታት እቲ ኲባንያ ዘጠቓልል እዩ። እቲ ኲባንያ ኣብዚ ውሳነ ዝበጽሓሉ ምኽንያት፥ ዘየድሊ ወጻኢ
ንምንካይ ከምኡ’ውን ስሉጥነት ንምውሳኽን ብዝብል ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
ሰራሕተኛታት መፍረ መካይን በዚ ኣይክጽለዉን እዮም ክብል እቲ ኲባንያ ኣብ ዝዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ’ሎ።