ብመሰረት መጽናዕቲ ጋዜጣ DN ብዝሒ መጥቃዕትታትን ምፍርራሕን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ኣብዚ ሓሙሽተ ዓመታት ብ 35 ሚእታዊት ከምዝወሰከ ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ድማ ኣብ ግዜ ስራሕ ብተደጋጋሚ ብዝሕ ዝበል ጥርዓናት ብምቕራቡ እዩ ክብለ እዚ መጽናዕት ዘካየደ ይውስኽ።
ብመስረት እዚ መጽናዕቲ ኣካላዊ ማህሰይቲ ኣብዚ ዝተጠቅሰ ዓመታት ብ 89 ሚእታዊት ክውስኽ ከሎ፣ ምኽንያቱ ድማ ብብዝሒ ምፍርራሕን ዕግርግር ኣብ ዝፍጠረሉ ዝበዝሑ ጎነጽ ዝተሓወሶ ብምንባሩ እዩ። ሓላፊ ኣከባብያዊ ስራሕ ዝኾነ ክርስትያን ሃንሰን ነዚ ጋዜጣ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣብ ኣብያተ ትምህርት ዝግበረ ዘሎ ባእስታት ዕግርግርን ከምዝወስኸ ካብ ዝበጽሓና ዘሎ ኣዝዩ ብዝሕ ዝበለ ጥርዓናት ኽንግንዘቦ ክኢልና ከምዘለና ብምባል ገሊጻቶ። ብ መስረት እቲ ሪፖርት ድማ ዝፍጠር ዘሎ ዕግርግራት ካብ ቁጽጽር መምሃራንን ተመሃሮን ሓሊፉ ናብ ጎነጽ ከምዘምርሕ ብምባል እዚ ሓላፊ ይዛረብ።