ምርእይቲ ሽወደናዊት ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ኢንግ-ማረ ቨሰልግረን፡ ኣብ ሰሙነ ኣልመዳሌን ኣብ ቪስቢ ብስሕለት ተወጊኣ ግዳይ ሞት ዝኾነትሉ ፍጻመ፡ ግብረሸራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ብዛዕባቲ ፍጻመ ዝርዝር ሓበሬታ ድሕሪ ምእካብ እዮም፡ ትማል ሰኑይ ነዚ ሓበሬታ ሂቦም ዘለዉ።
ነዚ ገበን ፈጺሙ ብዝብል ተጠርጢሩ ዘሎ መንእሰይ፡ ነዚ ወንጀል ምፍጻሙ ጥራይ ዘይኮነ ተወሰኽቲ ሰባት ንምቕታል እውን መደብ ከም ዝነበሮ ተኣሚኑ’ሎ።