መጠን ዝቕባበ ባጤራ ዮሮ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ውን ከምዝወሰኸ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ወርሒ የካቲት፡ መጠን ዝቕባበ ባጤራ ናይተን 19 ኤውሮፓውያን ሃገራት 0.9% ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ መጠን ግን ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ 1.3% ክብ ከምዝበለ ጸብጻባት ዩሮ ሳት ይሕብሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ማለት ድማ፡ ማእከላይ ባንክ ኤውሮፓ፡ ኣንቢርዎ ዝነበረ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ ባጤራ ዩሮ፡ 2%፡ ክስገር ከምዝኽእል ጸብጻባት ይሕብሩ።
ገለ ካብ ጠንቅታት ናይዚ ዝቕባበ፡ ልዑል መጠን ዋጋታት ጸዓትን ፍርያት መግብን ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ገሊጹ።