ኣብ ሽወደን ኣብ ወርሒ ሰነ ዝቕባበ ዋጋታት ኣብ 6.4% ኮይኑ ምጽንሑ፡ እዚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወርሒ ዝወሓደ እኳ
እንተኾነ፡ ሕጂ’ውን ካብቲ ማእከላይ ባንክ ዝሓንጸጾ ሸቶ 2% ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ። ክኢላታት ስነ-ቚጠባ ሽወደን፥
መጠን ዝቕባበ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ብዝንህር መጠን ምጒዳል ከርኢ እዩ ዝብል ትጽቢት ጌሮም ኔሮም እዮም።
"መጠን ዝቕባባ ብርግጽ ይጎድል ኣሎ፥ እንተኾነ ግና ኣዝዩ ዘገምታዊ እዩ። ክኢላታት ስነቚጠባ ብኣንጻርዚ ተነብዮም
ብምጽንሖም ብዙሓት ሰባት ቅረታ ተሰሚዕዎም ኣሎ” ይብል ክኢላ ስነ-ቑጠባ ብሕታዊ ጽላት ባንክ ስዌድባንክ ኣርቱሮ ኣርከስ።
ብምኽንያት ኣዝዩ ልዑል መጠን ዝቕባበ ዋጋታት፥ ማእከላይ ባንክ ኣብ ወርሒ መስከረም ወለድ ናይ ምውሳኽ ተኽእሎኡ ሕጂ
ዝለዓለ ምዃኑ ኣርከስ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ልቓሕ ትሕጃ ዘለዉ ሰባት በዚ ኣዝዮም ብኣሉታ ዝተጸልዉ ክፋላት ሕብረተሰብ
እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ባጤታ ክሮና ሽወደን ኣብዚ ሰሙን ካብቲ ወዲቕዎ ዝነበረ ክብረወሰን ካብ መፋርቕ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና
ወርሒ ኣትሒዙ ብመጠኑ ተመሊሱ ኣሎ፡፡ ብምኽንያት ቅልውላው ወራር ዩክሬይን ተጠላብነት ዶላርን ዩሮን ኣዝዩ ብምውሳኹ
ከምኒ ክሮና ዝኣመሰሉ ናእሽቱ ባጤራታት ሃስያ ከም ዝወረዶም ዝፍለጥ እዩ።