ብዝሒ ናይቶም ብዛዕባ ምኹስኳስን ምሕራስን፡ ንኽመሃሩ ዝደልዩ ሰባት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር እንከሎ፡ ከም ዝወሰኸ ተሓቢሩ። እዚ ድማ ኣብ ከባቢ ችራምፎሽ (Kramfors) እትርከብ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ሆላ ፎልክ (Hola Folk)፡ ጎሊሑ ከምተራእየ ብምሕባር፡ ንሓንቲ ቦታ ትምህርቲ ሓሙሽተ ሰባት ይጠልብዋ ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን P4 ቮሽተርኖርላንድ ገሊጹ። ኣብ ንቡር ኩነታት፡ ብገምጋም፡ ክልተ ሰባት ንሓንቲ ቦታ ከም ዝጠልብዋ ይፍለጥ።
እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ብሰንኪ ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዛ ዘሕልፍዎ ግዜ እናነወሐ ብምኻዱ ኮይኑ፡ እዞም ሰባት ናብ ሂወቶም ኣድህቦ ክገብሩ ሓጊዝዎም ኣሎ። ኣብ ከባቢ ገዝኦም ሕርሻ ብምግባር፡ ኣሕምልቲ ብምዝራእን ምኹስኳስን ብኣገባብ ከሺኖም ንኽምገቡ ክኽእሉ እዮም ክትብል መምህር፡ ሞኒካ ሳንድስትሩም፡ ሓቢራ።
ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሽወደን ውን ኣብዞም ዓውድታት ዝረአ ዘሎ ተገዳስነት ምዕባዩ ይፍለጥ። ብፍላይድማ፡ ብዛዕባ ሕርሻ፡ ጀርዲን፡ ምኹስኳስን ርእሰ ምርኮሳን ዝምልከት ኮርስ ዝህባ ቤት ትምህርታት ነጻ ቦታ ከምዘይብለን ምሕባረን ተፈሊጡ ኣሎ።
መብዛሕትኦም ነዞም ዓውድታት ትምህርቲ ዝጠልቡ ሰባት፡ ኣብ ካልእ ሞያ ዝነጥፉ ኮይኖም፡ ውሑድ ሰዓታት እናሰርሑ ሂወቶም ንኽመርሑ ዝደልዩ እዩም። ብኻልእ ወገን፡ ካብ ዕዳጋታት ካብ ምግዛእ ባዕላቶም ኣፍርዮም ክጥቀሙ ዝደልዩ ምዃኖም ሞኒካ ሳንድስትሩም ትገልጽ።