ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ምስቲ ኣብ ከምዚ እዋን ዓሚ ዝነበረ ብዝሒ ክወዳደር ንከሎ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ተፈሊጡ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ ናብ 9% ምብጽሑን እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከም ዝኽእል ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓቢሩ ክብል TT ገሊጹ።
ብዝሒ መጠን ሽቅለት ኣልቦነት ኣብ ምውሳኽ እዩ ዝርከብ። እዚ ድማ ንዕዳጋታት ሽቕለት ሽወደን ሓደገኛ ዝኾነ ሳዕቤን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ጽልዋ ናይ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ክንርኢ ጀሚርና ኣለና ክትብል ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ተንታኒት ዝኾነት ሳንድራ ኦቪሶን ሓቢራ።
ካብ ዕለት 22 ክሳብ 28 ሰነ ኣብ ዝነበረ ግዜ 11 ሽሕን 576 ሰባት ኣብ ሽቕለት ኣልቦነት ተመዝጊቦም። ብዝሒ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ክሳብ 465 ሽሕን 51 በጺሑ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሰነ ዘሎ ግዜ 229 ሽሕ ሰባት ኣብ ሽቕለት ኣልቦነት ተመዝጊቦም።
መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ክሳብ መፋርቕ ዓመተ 2021 ናብ 11% ክበጽሕ ከምዝኽእል ገምጋማት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብሩ።