ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ሃገራት፡ ዶባተን ክዓጽዋ፡ መምርሒታት ኮሮናን መገሻን ከትርራ ኣብ ዝረኣያሉ ዝነበራ እዋን፡ ብዝሒ ናይቶም ካብ መነባብሮኦም ተፈናቒሎም ዝስደዱ ዘለዉ ሰባት ድማ እናወሰኸ ምምጽኡ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ብሰንኪ ኣብ ከም በዓል ኣፍጋኒስታን፡ ሶርያ፡ ሶማልያ፡ የመን፡ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝተራእየ ግጭትን ቅልውላውን፡ ኣስታት 3 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ከምዝተመዛበሉን በዚ ድማ፡ እቲ ጠቕላላ ድምር ቁጽሪ፡ ናብ 82 ሚልዮን፡ በጺሑ ምህላዉ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ስደተኛታት ዝኾነ UNHCR ገሊጹ።
ቁጽሪ ስደተኛታት ዓለምና፡ ንመበል ታሽዓይ ዓመት ብተኸታታሊ ምውሳኽ የርኢ ከምዘሎ’ቲ ጸብጻብ ገሊጹ።