ኣብ ምምሕዳር ኦስተርጎትላንድ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና እናዛይደ ይመጽእ ስለዘሎ፡ እታ ምምሕዳር፡ መምርሒታት ከባብያዊ ቀይድታት ኮሮና ንኸተመሓላልፍ ምእንቲ፡ ትዘራረብ ከምዘላ ተፈሊጡ።
መምርሒታት ከባብያዊ ቀይድታት ኮሮና ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ። ክሳብ እዚ ሕጂ እዋን ግን፡ እዚ መምርሒ ስለዘይተመሓለለፈ፡ ተቐማጦ እዚ ምምሕዳር ዝኾኑ ሰባት፡ ነቲ ዘሎ መምርሒታት ከተግብሩን ክኽተሉን ከምዝግባእ። ንሕና፡ ዝሓሸ ኣማራጺ ኣብ ምንዳይ ኢና ንርከብ ዘለና ክትብል ሓላፊት ጥዕና እቲ ምምሕዳር፡ ጀሲካ ፍሪስክ፡ ሎሚ ሓቢራ።
ካብ ወርሒ የካቲት ክሳብ ትማሊ ረቡዕ፡ ኣብዛ ምምሕዳር ዝነበረ ብዝሒ ብኮሮና ናይ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ክሳብ 5235 በጺሑ ኣሎ። 25 ሰባት፡ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ዘሎ ኮይኑ፡ 3 ሰባት ድማ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ይርከቡ።