ኣብ ምምሕዳር ስኮና፡ መጠን ለበዳ ኮሮና፡ ካብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ መዓልታዊ ገምጋም መልከፍቲ (25 ሰባት ንመዓልቲ) ኣብዚ ሰሙን’ዚ መዓልታዊ ናብ 35 ሰባት ከምዝወሰኸ SVT ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተጥቕዑ 14 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ይሕከሙ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ 4 ካብኣቶም ድማ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ይግበርሎም ምህላዉ መዓል መዚ ጥዕና’ቲ ምምሕዳር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግሊጺ ሓቢሩ።
ኣብ ሆስፒታላት ዝረአ ዘሎ ምውሳኽ ቁጽሪ ሕሙማት ኮቪድ-19፡ ንምስፍሕፋሕ ኮሮና ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ዝሕብር እዩ ክብል ኣብ ምምሕዳር ስኮና፡ ምክትል ሓላፊ ምክልኻል ለበዳ ዝኾነ ማትያስ ቫልዲክ ግሊጹ።
ሽሕ’ኳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ መንእሰያት ዝረአ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮና እንተወሰኸ፡ ሓደገኛ ምልክታት ሕማም ዘርኣዩ ግን ውሑዳት እዮም። ናብቶም ተነቀፍቲ ዝበሃሉ ክፋል ሕብረተሰብ ከየመሓላልፉ ግን ስግኣት ኣሎ። ድሕነት ኣረጋውያንን ኣለይቶምን ንምርግጋጽ፡ ብሓባር ኣበርቲዕና ክንሰርሕን ክንተሓጋገዝን ይግባኣና ክብል ወሲኹ።
ዝቕጽል ሰሙን፡ ቤት ትምህርታት፡ ኣፍደገአን ንሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ፡ ከርሕዋ እየን። እዚ ድማ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ዝረአ ጻዕቂ ከዛይድ ምዃኑ ይግመት። ንመላእ ሕብረተ ሰብ ዝምልከቶ መምርሒታት ኮሮና፡ ንቤት ትምህርታት ውን ዝምልከተን ምዃኑ ብምውሳኽ፡ ቫልዲክ፡ ኣዘኻኺሩ።