ኣብ ሽወደን ከምቲ ናይ 2018 ዝመስል ነቕጺ ዘለዎ ኩነታት ይረአ ምህላዉ ተገሊጹ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ካብ ኩባንያ ቬስትቫተን (Västvatten) ንነበርቲ ምምሕዳራት ከተማ ቦሁስላን (Bohuslän)፡ ዶልስላን (Dalsland) መጠንቀቕታ ከምተዋህቦም P4 Väst ሓቢሩ ኣሎ።
ተቐማጦ ከተማታት ሙንኬዳል (Munkedal)፡ ሱቲኔስ (Sotenäs)፡ ኡዲቫላ (Uddevalla)ን ፋይላንዳን (Färgelanda) ድማ ዝስተ ማዮም ክዓቚሩ ጻውዒት ቀሪብሎም ኣሎ።
ነቕጽን ሃሩርን ኣብ ዝኾነሉ እዋን ዝስተ ማይ ብጥበብን ውሕልነትን ምጥቃም ኣገዳሲ እዩ ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፒተር ጆሃንሰን ን P4 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዝርከባ ምምሕዳራት ከተማ ብዛዕባ ምጉዳል መጠን ማይ መጠንቀቕታታት ከቕርባ ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ። ከምኒ ቦስታድ (Båstad)፡ ፍለን (Flen)፡ ጎትላንድ (Gotland)፡ ካትሪንሆልም (Katrineholm)፡ ሲምሪስሃምን (Simrishamn) እድረን (Ydre) ዝኣመሰላ ምምሕዳራት ብዝተፈላለዩ ደረጃታት መስኖኣዊ እገዳታት ኣተኣታትየን ኣለዋ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ኩነታት ናብ ኣሰካፊ ጥርዚ የምርሕ ኣሎ ክብል ኣብ ኩንግስባካ (Kungsbacka) ሓላፊ ኣሃዱ ዝስተ ጽሩይ ማይ ዝኾነ ኦሳ ቬስተር (Åsa Vester) ን P4 Halland ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣመልኪታ።
ምምሕዳር ከተማ ኡምዮ (Umea)፡ ንኹሎም ተጠቀምቲ ምምሕዳራዊ ማያት ዝኾኑ መስኖኣዊ እገዳታት ገይርሎም ኣሎ። ኣካያዲ VA ሮበርት ሃንሰን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሃልኪ ማይ ኣብ ወቕቲ ጽድያ ምዝያዱን ኣብ ወርሒ ሰነ ምንካዩን ኣመልኪቱ’ሎ።