ብሪጣንያዊ ፕሮፌሰር ሕማማት ለበዳ ኒል ፈርጉሰን ኣብ ስቶክሆልም ዘሎ መጠን ሞት ሕሙማት ኮሮና እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉን ምስ ኒውዮርክ ዝወዳደረሉ ደረጃ ይሓኲር ምህላዉን ገሊጹ። ካብ 19.4 ሚልዮን ተቐማጦ ከተማ ኒውዮርክ ዛጊት ዝሞቱ 16599 ምብጽሖምን እዚ ማለት ድማ ኣብ ሓደ ሚልዮን 850 ሰባት ይቕዘፉ ምህላዎምን ዘመልክት እዩ። ኣብ ስቶክሆልም ኣሃዝ ሞት 1209 ምዃኑን ምስ 2.3 ሚልዮን ተቐማጦ እታ ከተማ እንክወዳደር ኣብ ሚልዮን ሰብ 525 ሰባት ይሞቱ ምህላዎም ዘመልክት እዩ ድማ ኢሉ።
“እቲ መጠነ ሞት ምስ ናይ ኒውዮርክ ዝወዳደረሉ ደረጃ ምብጽሑ ዓብዪ ሽግር እዩ ። ኣጋውሉ ድማ ዝያዳ ሞት ዝቕጽል ምዃኑ እዩ ድማ ኢሉ። ተመራማሪ ሕማማት ለበዳ ጆሃን ጀሲክ መንግስቲ ብሪጣንያ ንምክልኻል ኮሮና ክብል ጽንክር ኲነታት ምእዋጁ ጌጋ እዩ ኔሩ ይብል። ሀርድ ኢምዩኒቲ ክኽሰት እዩ ዝብል እምበት ከም ዘይብሉ እውን ኣመልኪቱ። ፕሮፌሰር ፈርጉሰን ሓደ ካብቶም ጸብጻብ ኢምፔርያል ዘዳለዉን ብሪጣንያ ሀርድ ኢምዩኒቲ ከተማዕብል ዘኽእል ጸጋትት የብላን ኣብ ዝብል መደምደምታ ዝበጽሑን እዩ። እዚ ጸብጻብ ብሪጣንያ ትኽተሎ ንዝንበረት ኣገባብ ኣፋውሳ ኮሮና ብምቕያር ጽንኲር ኣገባባት ክትክተል ምኽንያት ምዃኑ ይፍለጥ።