ኣባላት ኩባንያ SJ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኩምላ (Kumla)፡ ኦሬብሮ፡ ብቐጺሊ ተጻብኦታት ስለዘጋጠሞም፡ ባቡር ናይቲ ኩባንያ፡ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ደው ምባል ንኸቋርጽ ዘኽእሎ መጽናዕታት ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
ኩባንያ SJ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ምስ ፖለቲከኛታትን ፖሊስን ዘካየዶ ኣኼባ፡ ፍረ ከምዘይረኸበሉ ሓላፊ መሸጣታት ኩባንያ SJ፡ ያን ሺርክ፡ ገሊጹ።
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኩምላን ሃልስቤሪን፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላትና፡ ናይ ቃላት ምፍርራህን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ናብ ምትህርራምን ዝሓለፈ በደላት ይፍጸም ብምህላዉ ውሕስነት ዘይብሉ እዩ ክብል ሺርክ ወሲኹ ገሊጹ።