መንግስቲ ሽወደን ብዛዕባ ምቛም መዝገብ ፖለቲካዊያን ጎስጐስቲ (ሎቢይስትስ) መርመራ ይገብር ምህላዉ ተገሊጹ። ፖለቲካዊ
ጎስጓስ ብመሰረታዊ ትርጒሙ፥ ፖለቲከኛታት ንምጽላው ብውዱባት ሰባት ዝካየድ ንጥፈት ማለት ኮይኑ፣ ዘይከም ካልኦት ሃገራት
ኣውሮጳዊ ሕብረት፥ ኣብ ሽወደን ጐስጐስቲ ምስ ፖለቲከኛታት ብዛዕባ ዝገብርዎ ርክብ ዝውስን ዝኾነ ሕጊ ዘይምህላዉ ዝፍለጥ
እዩ። ነዚ እማመ ምዝገባ ዝድግፉ ሰባት እዚ መዝገብ ኣብ ዙርያ ፖለቲካዊ ጽልዋ ግሉጽነት ከም ዝውስኽ ዝገብር ብምዃኑ
ክድፋኣሉ እዮም ዝምጒቱ። ካብ ማእከላይ ሰልፊ ዝኾነት ፖለቲከኛ ማርሊን ብዮርክ “እዚ ጒዳይ እንኳዕ ጠቕሊሉ ኣይቦኸረ
እምበር፡ ሕጂ ምልዓሉ ኣይጸላእክዎን” ድሕሪ ምባል ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ጎስጐስቲን ፖለቲከኛታት ክህሉ ብዛዕባ ዝግብኦ
ደረት ርክባት ካብ 90ታት ኣትሒዙ ክትዓት ከም ዝጸንሐ” ወሲኻ ኣመልኪታ። ካልእ ነዚ እማመ ካብ ዝደገፉ ፖለቲከኛታት ሓንቲ
ኣኒካ ሁቨናን እያ። ንሳ “ፖለቲካዊ ጉስጓስ ምክያድ ንባዕሉ ሕማቕ ነገር ኣይኮነን። እንተኾነ ግና ኣብ ጒዳይ ተሓታትነት
ፖለቲከኛታት ኣስታዋጽኦ ክህልዎ እንተኾይኑ ግሉጽነት ክህልዎ ወሳኒ ነገር እዩ” ክትብል ገሊጻ’ላ።
ብኣንጻር እዚ ዝቖሙ ፖለቲከኛታት ብወገኖም እዚ እማመ ኣብ መንጎ ፖለቲከኛታትን ተራ ህዝቢን ዝዓበየ ጋግ ዝፈጥር ኣብ ልዕሊ
ምዃኑ ንምትግባሩ እውን ኣጸጋሚ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።