ብቕድሚ ትማሊ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፥ ኣብ ስቶክሆልም መዘናግዒ ፓርክ ግሮና ሉንድ ብሰንኪ እተኸስተ ሓደጋ ሮለርኮስተር፥ ሓንቲ ኣብ 30ታት እትርከብ መንእሰይ ምሟታን፥ 9 ካልኦት ከኣ ምቚሳሎምን ተፈሊጡ። ኣብታ ሮለርኮስተር ዓሰርተ’ርባዕተ ሰባት ተሳፊሮም ምንባሮም፡ እቶም ዝቖሰሉ ኸኣ ንህይወት ዘስግእ ሓደጋ ከም ዘየጋጠሞምን፡ ድሮ ዝበዝሑ ድሕሪ ቀሊል ሕክምና ናብ ቤቶም ከም እተፈነዉን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። እቲ ሮለርኮስተር ቅድሚ ሰለስተ ቕነ መርመራ ተጌሩሉን ዝኾነ ሽግር ከም ዘይብሉ ድማ ተገሊጹ ምንባሩን እታ ሬድዮ ወሲኻ ሓቢራ’ላ። ኣብ ካልኦት መዘናግዒ ፓርክትታት ሽወደን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ኣጋጢሙ ከም ዝፈልጥ፥ ኣብ ግሮና ሉንድ ግና ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ከጋጥም ድሕሪ 70ታት ሕጂ ፋልማዩ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ድሕሪቲ ሓደጋ እቲ መዘናግዒ ማእከል ብህጹጽ ክዕጾ ከም እተገብረን፡ ኣብታ ከተማ ከቢድ ስንባደን ሓዘንን ተፈጢሩ ምህላዉን፥ ወኪል ሬድዮ ሽወደን ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ።
ፖሊስን “በዓል መዚ መርመራ ሓደጋ ሽወደን” ን ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምፍላጥ፥ መርመራኦም ቀጺሎም ኣለዉ።