ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ስራሕተኛታት ወትሩ ዝውቀስ ከባቢ፡ እቲ 23 ሚልዮን ስደተኛታት ዘለውዎ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ እዩ። ጸብጻብ 2017 ኣህጉራዊ ውድብ ሰራሕተኛታት ከም ዘመልክቶ፡ መብዛሕትኦም እዞም ወጻእተኛታት ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን እዮም።
እቲ ሸቂሎም ዝልእክዎ ገንዘብ ከኣ ዓንዲ ሕቘ ምጣነ ሃብቲ ሃገሮም እዩ። ዓለማዊ ባንክ ከም ዝብሎ፡ ኣብ 2020፡ 540 ቢልዮን ዶላር ልኢኾም። እዚ ኸኣ እዘን ማእከላይን ትሑትን እትዋት ዘለወን ሃገራት፡ ካብ ንመማዕበሊ ዝወሃበን ሓገዝን ቀጥታዊ ወፍሪ ወጻኢን ዝረኽባኦ ዝለዓለ ምዃኑ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝተሓተ ዝበሃል ክፍሊት’ውን ዘይረኽቡ፡ መከላኸሊ ድሕነትን ጥዕናን ኣብ ስራሕ ዘይብሎም፣ ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ክጽንበሩ ዘይከኣሉን ወጻእተኛታት ዝወርድ ግፍዒን ምዝመዛን መወዳእታ የብሉን።
ቢቢሲ፡ ነዚ ምግሃስ ደው ንምባልን ግዳያት ንምሕጋዝን ብዝብል ዕላማ ናይ ገዛእ ርእሶም ትካል ንዘቘሞ ሰለስተ ሰባት ረኺቡ ኣዘራሪብዎም ኣሎ።
ልክዕ ከምዚ ብዘይ ገበን ቤት ማእሰርቲ ከም ምእታው ዝቝጸር ምዃኑ፡ ኣብ ሊባኖስ ትሰርሕ ዝነበረት ኢትዮጲያዊት ባንቺ ይመር ትገልጽ።
“ብመሰረት’ቲ ‘ከፋላ’ ዝበሃል ኣገባብ፡ ሰራሕተኛ ገዛ ኴንካ ምኽዳም፡ ልክዕ ከምዚ ብዘይ ሓደ ገበን ቤት ማእሰርቲ ምእታው እዩ፡” ትብል፡ እታ ከም ሰራሕተኛ-ስደተኛ ኰይና፣ ሓደ-ሓደ ግዜ’ውን ብዘይ ሰነድ፡ ንሸውዓተ ዓመት ኣብ ሊባኖስ ዝነበረት ባንቺ ይመር።
“ኣብ ሓደ ገዛ እየ ተቘጺረ፣ እንተዀነ ኣብ እንዳ ኣዝማዶም ከይተረፈ ከጽርን መግቢ ክገብርን ይሓቱኒ ነይሮም፡” ትብል እታ ኢትዮጲያዊት፡ ንቢቢሲ።
መብዛሕትኡ ግዜ 18 ሰዓታት ንመዓልቲ ትሰርሕ ነይራ። ኣብ ርእሲኡ፡ ብዘይ መሰረታዊ ቀረባት፡ ንዝወርዳ ጾታዊ ትንከያታት’ውን ክትነጽግ ይነብራ።
“ኣብ ግዜ ቝሪ ይዅን ኣብ ወቕቲ ምቘት ዝዀነ መሳርሒ፣ መውዓዪ ይዅን መዝሓሊ ክጥቀም ኣይፍቀደለይን ነይሩ፣ ነብሰይ ንኽሕጸብ’ውን እኹል ማይ ኣይረክብን ነይረ፡” ትብል።
“ኣመና ዘጽልእ እዩ ነይሩ፣ ሰነዳተይ ምስቲ ዘስርሓኒ ዝነበረ ሓዲገ ካብቲ ገዛ ሃዲመ ከይደ።”
ደሓር ግን፡ ካብቲ ዓንኬል ጭቈና ንምልቓቕ፡ ሞያዊ ክእለታ ከተዕብን፡ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ክትጅምርን ከም ዘለዋ ተገንዘበት።
ከምኣ ዝኣመሰላ ሓያለ ሰራሕተኛታት ድማ ረኸበት’ሞ፡ ግዜ ከይወሰዳ ክውደባ ከም ዘለወን ተገንዘበት። “እና ለኛ በስደት” [ንሕና ንዓና ኣብ ስደት] ዝብል ማሕበር ከኣ ኣብ 2017 መስረተት።
källa BBC Tigrinja