ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2019 ወሰን ልቓሕ ትሕጃ ባንካታት ሽወደን ምንቊልቋሉን ዛጊት ግና ቅቡላት ተባሂሎም ከም ዝሕሰቡን ላዕለዋይ በዓልመዚ ፋይናንሳዊ ምቊጽጻር ገሊጹ። እዚ ወሰን ጃምላዊ መኽሰብ ባንካታት ትሕጃ ኣብ ካልኣይ ርብዓዊ ዓመት ካብ 1.46 ናብ 1.44 ሚእታዊት ምውራዱ እዩ ዝንገር ዘሎ።
ወሰን መኽሰብ ኣብ ታሕሳስ 2017 ናብ 1.71 ክብ ምባሉን ካብኡ ንደሓር ግና ብዘገምታ ከንቈልቊል ምጽንሑ ይፍለጥ። ተዓዘብቲ ነዚ ምንቊልቋል ምስ ምቕናስ መኽሰብ ባንካታት ከተሓሕዝዎ እንከለዉ ኣብ ምምቕራሕ ዕዳጋ ናእሽቱ ተዋሳእቲ ምስ ምውሳኹ ኣብ ዋጋታት ገለ ጽልዋ ምግባሩን ንጠለብ ልቃሕ ትህጃ ከንቈልቁል ምግባሩን ተመልኪቱሎ።
ይኹን’ምበር ብታሪኽ እንክረአ ናይ ባንክታት ናይ መኽሰብ ወሰን ምስ 1990ታት ብምውድዳር ኣዝዩ ጽቡቕ ኮይኑ ማእከላይ ወሰን ድማ ካብ 0.5 ክሳብ 1 ሚእታዊት ዝበጽሕ እዩ ተባሂሉ’ሎ።