ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ናይ መጥባሕቲ ቆጸራታት ምስግጋሮም ወይ ድማ ምስራዞም ንመሰላት ረብሓታት ሕማም (sjukpenning) ከምዘይስርዞም፡ መንግስቲ ሽወደን ከም ዝኣወጀ SVT ሓቢሩ።
ሓደ ሕሙም ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዝነበሮ ናይ መጥባሕቲ ቆጸራ እንተደኣ ተናዊሑ፡ እቲ ናይ ሕማም ረብሓታት መሰሉ ድሕሪ 180 መዓልታት ሕሉው ኽኸውን ከምዝግባእ መንግስቲ ሽወደን ምስ ሳንዱቕ ማሕበራዊ ውሕስነት ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ይዝከር። ትማሊ ረቡዕ ድማ መሰላት ሕሙም ዝሕሉ መንግስታዊ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ።
ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና፡ ናይ መጥባሕቲ ቆጸራታት ብምስግጋሮም ይኹን ብምስራዞም፡ ዝኾነ ሕሙም ሰብ መሰላት ረብሓታት ሕማም ብምስኣን ሓላፍነት ናይ ወጻኢታት ክስከም ኣይግባእን ክብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ኣርዳላን ሽካርቢ፡ ገሊጹ።
ሰልፍታት ሶሻል ዲሞክራትና፡ ሊባራላዊ፡ ማእከልን ሓምላይን ነዚ ውሳኔ ተሰማሚዖምሉ ኣለዉ።
እቲ ውሳኔ ንድሕሪት ተመሊሱ ካብ 02/04/2020 ክሳብ 01/09/2020 ንዘሎ ግዜ ተግባራዊ ክኽውን እዩ። ክሳብ 200 ሚልዮን ክሮነር ወጻኢ ከኽፍል እዩ ይብል ሽካርቢ።