መንግስቲ ፊንላንድ፡ ነዚ ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ንምቅላስ፡ ካብ ዕለት 8/3/2021 ጀሚሩ ንሰለስተ ሳምንታት ዝጸንሕ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል’ታ ሃገር መስርሕ ዕጽዋ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሕብረተሰብና፡ ብዙሕ ጻዕርን ትዕግስትን ኣካይዱ እዩ። ብወገን መንግስቲ ድማ ዶባት እዃ እንተዓጸወ፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ፡ ምስፍሕፍሑ ኣየቃረጸን። ገለ ከባቢታት ሃገርና ብኸቢድ ክህሰያ እንከለዋ ገለ ክፋል ድማ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ኣለዋ። ስለዝኾነ ድማ፡ መንግስቲ፡ ዝተረረ ቀይድታት ክወስድ ተገዲዱ ኣሎ ክትብል፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ፡ ሳና ማሪን፡ ገሊጻ። እዚ ናዩ ምዕጻው መስርሕ ድማ ንኹሉ ምስ ሽወደን ዘራኽቡ ዶባት ዝምልከት ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ SVT ሓቢሩ።
መስርሕ ዕጽዋ ፊንላንድ፡ ንኹሎም ተማሃሮ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ካብ ኣባይቶም ንኽመሃሩ፡ መጠን ምትእኽኻብ ካብ 6 ሰባት ዘይበዝሕ፡ ምዕጻው ቤት መግብታትን ባራትን ዘጠቓልል እዩ። ይኹን እምበር፡ ቤት መግብታት፡ ካብ መንግስቲ ገንዘባዊ ካሕሳ ክረኽባ ምዃነን ክትብል፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ሓቢራ ኣላ።
ሃገረ ፊንላንድ፡ ሓንቲ ካብተን ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ዓቢ ዓወት ዘመዝገባ ሃገራት ምዃና ይፍለጥ።