ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣስታት 170 ስደተኛታት ሒዛ ን ኣስታት ዕስራ መዓልታ ክትጽበ ዝጸንሔት መርከብ ሎሚ ናብ ወደብ ላምፔዱሳ ኢጣልያ ክትጽጋዕ ብ ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ተፈቒዱላ። እዛ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ጫድ፣ግብጺ፣ ጋምቢያን ማሊን ዝኾኑ ትሕቲ ዕድሜ ስደተኛታት ጥራይ ንክትቕበሎም ኣቐዲሙ ተፈቒድሎም ነይሩ እዩ።
እዛ ናይ ድሕነት መርኸብ ኦፐን ኣርምስ ድሕሪ ናይ 19 መዓሊቲ ኣብ ብሕሪ ጻኒሖታ ናብ ወድብ ላምፔዱሶ ኣብ ምምራሕ ትርኸብ። እንተኾነ መንግስቲ ጥልያን ነዛ መርከብ ን ስደተኛታት ብምሕጋዛ ጥራይ ክሲ ክምስርተላ ሙኻኑን ኣብ ቐይዲ ከምትጸንሕን ሓቢሩ።