መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ንሸሞንተ ተወሰኽቲ ኩባንያታት ቻይና፡ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ጸሊም መዝገብ ንምስፋር ተዳልዩ ከምዘሎ ጋዜጣ ፋይናንሽያል ታይምስን ክልተ ካለኦት ምንጭታትን ብምጥቓስ ጸብጺቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡
ሓንቲ ካብተን በዚ እገዳ ዝተጸልዋ ኩባንያታት ድማ፡ እታ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ቀንዲ ኣፍራይት ናይ ንግዲ ነፈርቲ ዝኾነት ዲ.ጀይ.ኣይ. ምዃና ተፈሊጡ፡፡
እቲ ጋዜጣ፥ ዲ.ጀይ.ኣይ.ን እተን ካለኦት ኩባንያታትን ኣብቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ ኣብ ዞባ ሺንጂያንግ ቻይና ዝርከቡ ተኸተልቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝኾኑ ሕብረተሰብ “የጉር“ እተካይዶ ምጽንጻን ከምዝተሳተፋ ብተወሳኺ ጸብጺቡ፡፡
ብመንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ጸሊም መዝገብ ዝኣተዋ ናይ ቻይና ኩባንያታት ድሮ 60 በጺሐን ከም ዘለዋን እዚ ከኣ ኣመሪካውያን ኣውፈርቲ ካብተን ኩባንያታት ብርኪ ንኸይ ዕድጉ ዝኽልክል ምዃኑ ውን ብተወሳኺ ተሓቢሩ፡፡
ኣብ መጀመርታ ናይ ዚ ሰሙን እዚ፡ ኣፍራይ ሶፍት ዌር ዝኾነ ቻይናዊ ኩባንያ ሰንስ ታይም (Sense Time)፡ ድሕሪ ብጋዜጣ ፋይናንሽያል ታይምስ፡ እታ ኩባንያ ብመንግስቲ ባይደን ኣብ ዝርዝር ኣስማት ጸሊም መዝገብ ክትኣቱ ምዃና ምግላጻ፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ኣብ ሆንግኮንግ ወጺኡ ዝነበረ ናይ ኣክስዮን መለዋወጢ ንግዳዊ ሓበሬታ ከም ዝሰረዞ ይፍለጥ፡፡