መንግስቲ ኢትዮጵያ: እታ ብረቡዕ ኣብ ክልል ትግራይ እተሓምሸሸት ነፋሪት: ብሰራዊት ትግራይ ተወቒዓ ዘይኮነትስ ብቴክኒካዊ ምኽንያት ምዃኑ ኣፈኛ ሰራዊት ኢትዮጵያ: ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብታ ነፋሪት ክንደይ ሰባት ምንባሮም ምንም ሓበሬታ ኣይሃበን።
ሰራዊት ትግራይ: ብረቡዕ ሓንቲ C-130 ዝዓይነታ ነፋሪት ኲናት ኢትዮጵያ ብኣሃዱ ጸረ ነፈርቲ ወቒዑ ከም ዝሓምሸሸ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ኣብታ ነፋሪት ዩኒፎርም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ተሳፊሮም ምንባሮም ካብ ተርፈ መረፍ ዝተቓጸለ ኣካላት ክፍለጥ ከም እተኻእለ ሰራዊት ትግራይ ገሊጹ ኔሩ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፋ መዓልታት ከቢድ ኲናት ክካየድ ምጽንሑን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ተጎጋ ብዝፈነዎ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ሲቪላውያን ተጋሩ ከም እተቐትሉን ቢቢሲ ኣረጋጊጻ።
ብዘይካ’ዚ: ኤርትራ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣብ መሬት ትግራይ ምትእትታው ምግባራ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።