ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብሰንኪ’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ግዳያት ይኾኑ ምህላዎም ተገሊጹ። ብረቡዕ ከባቢ ማይዓይኒ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣየር ግዳያት ሞት ምዃኖም እውን UN ኣመልኪቱ’ሎ። ክልተ ካብዞም መወትቲ ቆልዑ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣረዲኡ። ካልኦት ብርክት ዝበሉ እውን ኣካላዊ መጒዳእቲ ከም ዝበጽሖም ተገሊጹ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንደ ስደተኛታት ዕላማ መጥቃዕቲ ክኾኑ ግቡእ ኣይኮነን ክብል ነቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምዂናን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሲቪላውያን ምጥቃዕ ደው ከብል ጻውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ።