ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝግበር ዘሎ እገዳታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣባል ሃገራቱ ንመራኽብ ሩስያ ወደባተን ክዓጽዋ እማመ ምቕራቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኖርወይ ነዚ እማመ የጽንዖ ምህላዉ ተገሊጹ።
ብሰሉስ ኮሚሽን ኣውሮጳ ንሩስያ ሸቶ ዝገብር ሓሙሻይ ፓኬጅ እገዳታት ምውጽኡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ፓኬጅ ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ንመራኽብ ሩስያ ወደባተን ክዓጽዋ ዝጽውዕ እዩ። እዚ እማመ ብዂለን ሃገራት እቲ ሕብረት ክሓልፍ ከም ዝግብኦ ዝገለጸ ጸብጻብ ኖርወይ ቱደይ መንግስቲ ኖርወይ እውን ነዚ የጽንዖ ምህላዉ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን እታ ሃገር ን ማዕከን ዜና NTB ዝሃቦ ቃል ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ። “ኖርወይ ምስ ካልኦት ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ብምዃን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጽንክር ዝበሉን ውጽኢታውያንን እገዳታት ክጸዓን ትደሊ እያ፡ እዚ ፓኬጅ እገዳታት ንምትግባር እውን ድሉዋት ኢና። እዚ እማመ ዝውሰኽ ወይ ዝመሓየሽ ነገር እንተለዎ ድሕሪ ምጽናዕ እዚ ኣካል ሕጊ ኖርወይ ክኸውን ንሰርሕ ኣሎና” ክብል ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳን ማያዊ ኣከባቢን ብዮርናር ስኬራን ሓቢሩ’ሎ።