መንግስቲ ሽወደን ኣሰር ኣጻብዕ ገበነኛታት ናብ ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዕላዊ ንምግባር ዘኽእሎ ስጒምቲ ንምውሳድ መርመርቲ ኣድላዪ ሕጋዊ ቅጥዕታት ከማልኡ ምሕታቱ ተገሊጹ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ሓደ ሰብ ኣብ ካልእ ኣባል ሃገር ኣውሮጳዊ ሕብረት ተቐጺዑ ኔሩዶ ኣብ ዝብል ጠቓሚ ሰነድ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዋና ጠበቓ በዓልመዚ ፋይናንስ ሽወደን ኤሪክ ሎንጎንራም ነዚ ዕማም ክመርሖ ምዃኑን ክሳብ ለካቲት 2021 ነዚ እማመ ኣልዒሉ ኣብ 2022 ከጠቓልሎን ከረክቦን እዩ’ውን ተባሂሉ’ሎ።