ብመሰረት ሓበሬታ ፕረስ ሪፖርት መንግስቲ ሽወደን ንዝመጽእ ዓመት ሽግር መንበሪ ኣባይቲ ሕብረተስብ ብፍላይ ጸገም ኣባይቲ መንእሰያት ንምፍታሕ ኣስታት 3 ቢልዮን ክሮነር ከምዝሰልዔ ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ፋይናንስ ሽወደን ማግዳሌና አንደርሰን ን ሽወደናዊ ወኪል ዘና ተተ (TT) ኣብዝሃበቶ ሓበሬታ እዚ ተበግሶ ነቲ ቅድሚ ምርጫ 2018 ዝነበረ መደብ ንምቕጻል ኮይኑ፣ ኣብዚ ግዜ ኣብ መላእ ሃገር ሕጽረት ኣባይቲ ኣጋጢሙሉ ዘሎ እዋን ኮይኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሙዃኑ ትሕብር።
ዕላማ ናይዚ ድጎማ ድማ ኣብ ምፍታሕ ኣባይቲ ጸገም ዘለወን ምምሕዳራት ንምሕጋዝ ኮይኑ ክብሪ ኣባይቲ ንምንካይሙኻኑ ይግለጽ። ብመስረት ሓበሬታ እዛ ሚኒስተር ብ መንገዲ እዚ ገንዘብ ሽግር ግዳያት መንበሪ ኣባይቲ ዝኾኑ ሕብረተሰብን መንእስያት ኣብ ምፍታሕ ዝልዓለ ተራ ክጻወት ዘለዋ ተስፋ ትገልጽ።