መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ናብ ሽወደን ናይ ምምላስ እገዳ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ከፍርሶ ከም ዝወሰነ መንግስታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል TT ኣቃሊሑ። ቅድሚ ሕጂ ብጀካ ነቶም ናይ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ዜጋታት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት እንተዘይኮይኑ ንኻልኦት ዜጋታት ናብ ሽወደን ንኸይኣትዉ ዝእግድ ውሳኔ ምንባሩ ይዝከር።
ካብ’ቲ ተወሲኑ ዘሎ ዕለት ጀሚሩ፡ ኩሎም ዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት ናብ ሽወደን ብዝኾነ ዓይነት ምኽንያት ክኣትዉ ከምዝኽእሉን እዚ ማለት ድማ ዶባት ሽወደን ንኹለን ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረትን ሸንገንን ክፉት ክኸውን ማለት እዩ።
ዝርዝር ኣስማት ናይተን ዶባት ኤውሮፓዊ ሕብረት ንኽእትዋ ፍቑዳት ዝኾና ሃገራት፡- ኣልጀርያ፡ ሞሮኮ፡ ቱኒዝያ፡ ርዋንዳ፡ ኣውስትራልያ፡ ኒውዚላንድ፡ ጃፓን፡ ደቡብ ኮርያ፡ ታይላንድ፡ ጆርጅያ፡ ሞንተኔግሮ፡ ሰርቢያ፡ ካናዳን ኡራጋይን ዘጠቓልል እዩ።
ቻይና፡ ንኹሎም ዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት ናብ ሃገራ ንኽኣትዉ እንተ ኣፍቂዳ፡ ቻይናውያን ገያሾ ናብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ክኣትዉ ክፍቀደሎም እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን እቲ እገዳ ክሳብ 31/08/2020 ክጸንዕ ምኻኑ መንግስቲ ሽወደን ሓቢሩ።