ኤምባሲ ሽወደን ኣብ ለንደን ዜጋታት ሽወደን ኣብ ብሪጣንያ ናይ መንበሪ ጠለብ ከቕርቡ ዓዲሙ። ብምኽንያት ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክሳብ 100 ሽሕ ዝበጽሑ ኣብ ብሪጣንያ ዝነብሩ ዜጋታት ሽወደን ናይ መንበሪ ፍቓድ ከቕርቡ ብኤምባሲ ሽወደን ጻውዒት እኳ እንትተገብረሎን ዛጊት ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ ምምልካቶም ተገሊጹ’ሎ።
“ኣብ ብሪጣንያ ትነብሩ እንተሊኹም መሰልኩም ተሓልዩልኩም መታን ክቕጽል ናይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበኩም ክትሓቱ ኣለኩም” ክብል ኣምባሳደር ሽወደን ቶርብዦርን ሶልስትሮም ንኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።
መንግስቲ ብሪጣንያ ባሕቲ ሕዳር ካብቲ ሕብረት ዘውጽኣ ስትራቴጂ ሓንጺጹ ይዓዪ ምህላዉ ምግላጹ ይዝከር። መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብታ ሃገር ንዝመሃሩ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣብ ተመሳሳሊ ኲነታት ትምህርቶም ክቕጽሉ ምውሳኑ እውን ተፈሊጡ።