ሽወደን፡ ን መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ሓድሽ ካፒታል ከም ዘይትፍኑ፡ ሚኒስተር ቢዝነስ ኢንዱስትሪን ምህዞን ካርል ፒተር ቶርቫልድሶን ትማል ንግሆ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣረዲኡ። እዚ ይዂንምበር፡ መንግስቲ ን መንገዲ ኣየር ዝሃቦ ልቓሕ ናብ ናይ ብርኪ ካፒታል ኣብ ምቕያር ክዋፈር እዩ ተባሂሉ’ሎ። “መንግስቲ ሽወደን ኣብ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ዝነበሮ ዋንነት እናጎደለ ምምጽኡ፡ አረ’ውን ኢዱ ካብቲ ኲባንያ የልዕል ምህላዉ” ተንታኒ ቊጠባዊ ጒዳያት ሬድዮ ሽወደን ክሪስትያን ኣስትሮም ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።