ኣብ ሽወደን ብውልቀ ሰባት ዝውነን ዝኾን ዓይነት ብረት ፍቓድ ክህልዎ ሎሚ መዓልቲ ብመንግስቲ ደረጃ ሓሳብ ከምዝቐረበ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳምቤሪ ሓቢሩ። እዚ ሓሳብ’ዚ ነቲ በብእዋኑ ዝምዕብል ዘሎ ጎነጽ ናይ ጉጅለታት ንምውጋድ ዝሕግዝ ውን እዩ። እዚ ፍቓድ ወላ ንናይ ሃድን ብረትን ንኻልእ ዓይነት ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝጥቀምሉ ብረታት ዘጠቓለለ እዩ።
እዚ ዓይነት ኣገባብ እቲ እንኮ መከላኸሊ ገበናት ከምዘይኮነ እቲ ሚኒስተር ብተወሳኮ ገሊጹ። ተወሰኽቲ ንድፍታትን ሓሳባትን ኣብቲ ንምክልኻል ገበናትን ምውናን ብረትን ዝምልከት ሕጊ ክሕወሱ ምዃኖም ውን ይዛረብ። እዚ ሕጊ’ዚ ኣብ’ዚ ክራማት ድልው ኮይኑ ብፓርላማ ምስ ጸደቐ ካብ ወርሒ ሰነ 2020 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ይንገር።
ንዝተወደቡ ገበናት ንምቅላስ ዘገልግሉ 34 ንጥብታት ዝሓዘለ ውጥን ብመንገዲ ሚኒስተር ቀሪቡ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ዋኒን ብረት ብኣባላት ፓርላማ እኹል ድምጺ ክረክብ ምዃኑ እቲ ሚኒስተር እምነቱ ገሊጹ።