መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ቅልውላው ኮሮና ዘስዓቦ ምፍላስ ናይ ኩባንያ SAS ንምድሓን 5 ቢልዮን ክሮነር ዝግመት ገንዘባዊ ፈሰስ ክገብር ምዃኑ ገሊጹ። ብዘይካ’ዚ፡ ኩባንያ SAS ካብ ዴኒማርክ እውን ሓገዝ ክረክብ እዩ።
ሚኒስተር ፕቶጀክታት ሽወደን፡ ኣቶ ኢብራሂም ባይላን ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ክልቲአን ሃገራት ክሳብ 12.5 ቢልዮን ክሮነር ገንዘባዊ ፈሰስ ክበርክታ ምዃነን ክብል ሓቢሩ።
ሚኒስተር ዕዳጋታት ገንዘብ ሽወደን፡ ቤር ቡሉንድ፡ ኩባንያ SAS ነዚ ገንዘባዊ ፈሰስ ክረክብ እንከሎ ብወገኑ ነቲ ኣብ ፓሪስ ዝተቃነዐ ስምምዓት ምዕቃብ ክሊማ ከኽብርን ነፈርቱ ድማ ዝወሓደ ዓቐን ጋዝ ናብ ሰማያት ዝተፍኣ ንኽገብረን ክጽዕር ከምዘለዎ ገሊጹ።
ኣፈኛ ቊጠባዊ ጉዳያት ማእከላይ ሰልፊ፡ ሄለና ሊንዳል፡ ብመንግስቲ ዝግበር ገንዘባዊ ፈሰስ ምስ ቅድመ ኩነት ዝተኣሳሰር እዩ ትብል። እዚ ናይ ካፒታል ፈሰስ መንግስቲ ሽወደን ኣብቲ ኩባንያ ዘለዎ ብርክን ብዝሒ ሰዓብቱን ዝውስኽ እዩ ክትብል ብምውሳኽ ትገልጽ።
በዚ ኣጋጣሚ መንግስቲ ሽወደን ወናኒ 21.4% ናይ ኩባንያ SAS ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ።
ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ሽወደን ነታ ንዓሰርተ መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን እተካይድ ብመንግስቲ ሽወደን እትውነን ኩባንያ ስዊዳቭያ ናይ 3.15 ቢልዮን ክሮነር ገንዘባዊ ፈሰስ ክገብር መዲቡ’ሎ።
እዚ ናይ በረራ ጽላት ብለበዳ ኮሮና ኣመና ተሃስዩ ዝጸንሐ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ክኢላታት ሽወደን ንኩባንያ SAS ከም ኖርወያዊት ኩባንያ Norwegian ብ ቻይና ከይትውነን ከጠንቅቑ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።