“መንግስትን ሰልፊ ዴሞክራሲን ተሪር ሕጊ ኢሚግሬሽን ንምውጻእ ዝሓዝዎ መርገጺ ይቕጽልሉ ኣለዉ” ክብል ማቲያስ
ባክስትሮም ጆሃንሰን (ካብ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን)፥ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ። ። እዚ
እማመ፥ ኣካል ናይቲ ኣብ “ውዕል ቲዶ” ዝተኸተመ ኣብ ጒዳይ ስደተኛታት "ፓራዳይም ቀያሪ" ስጒምቲ ኮይኑ፡ የማናዊ መንግስቲ
ብደገፍ ዲሞክራስያውያን ስልጣን ክሕዝ ዘፍቀደ እዩ። እዚ እማመ፥ ኣብ ሽወደን ዝርከብ መጻምዲ ወይ ክጽንበሮም ዝደሊ
መጻምዲ ትሕቲ 21 ዓመት እንተኾይኑ፡ መንበሪ ፍቓድ ክንጸግ ዝድንግግ እዩ። እቲ ሕጂ ዘሎ ገደብ ዕድመ 18 እዩ። ሚኒስተር
ኢሚግሬሽን ማርያ ማልመር ስቴነርጋርድ፥ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ብሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ዝፍቀድ ዝለዓለ ገደብ
ዕድመ 21 ምዃኑን፡ እዚ ድማ ግዱድ መርዓ ብዝሓሸ ንምክልኻል ክሕግዝ ተስፋ ከም ዘለዋን ገሊጻ’ላ።
ብዘይካዚ፥ መንግስቲ ነቲ ንኡስ ድጎማ ሓለዋ ዘለዎም ስደተኛታትን ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ነቲ ዝጽንበር መሻርኽቶም ክኣልዩ
ከም ዝኽእሉ ዘርኢ ረቛሒታት ጽገና ከማልኡ ዝብል ሕጊ ክስርዞ እዩ። ብተወሳኺ ኤጀንሲ ሚግሬሽን ንህጻናትን ገለ ዓበይትን
"ኣጨናቒ ኩነታት" እንተድኣ ኣጋጢምዎም፥ ፍቓድ መንበሪ ክረኽቡ ዝገብር ሕጊ ክስርዞ ይደሊ’ሎ። ኣብ ክንድኡ፡ እዚ ጒዳይ
ህጻናት ኣብቲ "ፍሉይ ኣሸጋሪ ኩነታት" ዝብል ክርአ እዩ ፡፡ እንተኾነ ግን እቲ መንግስቲ ዘቕረቦ እማመን ረቛሒታትን ኣብ ህጻናት
በጺሑ ዝልቕ ዝበለ ክኸውን ከም ዘለዎ ይገልጽ።
ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምኽኻር መድረኽ፡ ሓያሎ ኣካላት ነቲ እማመ ጸቢብ ፡
ንምትርጓሙ ዘጸግም ምናልባት ውጽኢት ዘይብሉን እዩ ክብሉ ነቒፎሞ ኔዎም እዮም። ሽወደን ብሓፈሻ ካብ 18 ዓመት
ዕድሚኦም ጀሚሮም ክምርዓዉ ከም እትፈቅድ ብምጥቃስ “ማሕበር ጠበቓታት ሽወደን” ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ፡ እዚ ገደብ
ዕድመ ፍቓድ መጻምድቲ ናብ 21 ዓመት ክብ ክብል ን ዝቐረበ እማመ ምንቃፎም ተሓቢሩ’ሎ። ገለ ትካላት’ውን እቲ እማመ
ንውዕል መሰላት ህጻናት ሕቡራት ሃገራትን ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳን ዝጥሕስ እዩ ክብላ ኣተሓሳሲበን ኣለዋ።