ብቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ሽወደን፡ ንቁጠባዊ ሕውየት ናይተን ብቅልውላው ኮሮና ዝተሃስያ ሃገራት ዝምልከት ብመንገዲ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ማእከላይ ፍታሕ፡ ተባሂሉ ዝቐረበ እማመ ከም ዝተቐበሎ ካብ ብሮክሲል ዝተረኽቡ ጸብጻባት ምሕባሮም ተፈሊጡ።
መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ጉዳይ ኤውሮፓዎ ቁጠባዊ ሕውየት ዝነበሮ ተሪር መርገጺ ክቕይር ዝኸኣለ ምኽንያት፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣቕሪብዎም ዝነበረ ጉዳያቱ ተቐባልነት ብምርካቦም እዩ። ካብ ቀርቦም ዝነበሩ ጉዳያት መንግስቲ ሽወደን፡ ጉዳይ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ኣብ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ጉዳያት ከባብያዊ ወፍርን ጉዳይ ብወገን ሓገዝ ዝቕበላ ሃገራት፡ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር፡ ዘቕርበኦ ውሕስነት ዝኣመሰሉ እዩም።
ዘተ ኤውሮፓዊ ቁጠባዊ ሕውየት ብጽቡቕ ይሰላሰል እንተሃለወ፡ ንመጠን ገንዘብ ዝምልከት ግን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣይተኻእለን።
ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዝተሃስያ ኤውሮፓውያን ሃገራት፡ ዘይከፍለኦ (ዘይምለስ) ሓገዝ ንኽወሃባ ብምባል፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣብ 30 ዓመታት ዝኽፈል ኣስታት 500 ቢልዮን ዩሮ ክልቃሕ ንዝብል ሓሳብ ብወገን ሽወደን፡ ሆላንድ፡ ኣውስትርያን ዴኒማርክን ተሪር ተቓውሞ ከምዘጋጠሞ ዝፍለጥ እዩ።
እዘን ብሰንኪ ቅልውላው ዝተሃስያ ኤውሮፓውያን ሃገራት፡ ኣብ መጻኢ ክኸፍለኦ ዝኽእላ መጠነኛ ልቕሕ እንተዝወሃባ ይሓይሽ። እቲ ከም ልቓሕ ዝወሰድ ገንዘብ ነተን ከም በዓል ሽወደን ዝኣመሰኣላ ተረባሕቲ ዘይኮና ሃገራት ከቢድ ጾር ክኸውን ከምዝኽእልን እቶም ኣብ መጻኢ ከፈልቲ ግብሪ ዝኾኑ ዜጋታት ድማ ክውጽዑ እዮም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሎቬን፡ ሓቢሩ።
ውጽኢት ናይ ትማሊ ዝተኻየደ ዘተ፡ ንኤውሮፓዊ ቁጠባዊ ሕውየት ተባሂሉ ዝልቃሕ ገንዘብ ካብ 500 ናብ 375 ቢልዮን ዩሮ ንኽወርድ ዝጽውዕ እማመ ከም ዝቐረበ ተሓቢሩ ኣሎ።