ኣብቲ ንመበል ሻድሽይ ማዓልቲ ኣቑጺሩ ዘሎ ዉግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያዉያን ተኸቲሉ ፈጢርዎ ዘሎ ከቢድ ዞባዊ ስግኣት ንምፍታሕ፡ ሃገረ ሽወደን፡ ምስ ኩሎም ወገናት ክትዘራረብ ከም ትደልን፣ ነዚ ድሌት ዘማልእ ብመገዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኣምባሳደር ሽወደን ትሰርሕ ከምዘላ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ኣን ሊንደ ገሊጻ።
ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ዞባዊ መንግስቲ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ዉግእ ይቕጽል ከምዘሎን፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀኛ ሓበሬታ ክፍለጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ፣ ጸብጻባት ኣረዲኦም፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምእሳር ጋዜጣኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ከኣ ተወላዶ ዞባ ትግራይ ከምዝተራእየን፣ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፣ትማሊ ሰንበት፡ መንግስቲ፡ ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት፡ ሚኒስተር ሓይልታት ምክልኻል፡ ሓላፊ ጸጥታ’ታ ሃገርን ካልኦትን ኣብ መንጎ እቲ ግጭት ምቅይያር ምግባሩ ነቲ ሻቕሎት ዝያዳ ከምዘዕበዮ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሽወደን ንኢትዮጵያ ካብተን ኣብ ብዙሕ መዳያት ዝተሓጋገዝኣ ሃገራት ምዃና ዝጠቐሰት ሚኒስተር፡ ኣን ሊንደ፡ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ዝምወል ክሳብ 1.3 ቢልዮን ክሮና ዝበጽሕ ቁጠባውን ሰብኣውን ሓገዛት ከም ትገብር ይፍለጥ ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣስታት 1000 ዝኾኑ ሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝርከቡ ይንገር።