ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ነቶም ብዘይ ስድራ ቤቶም ናብ ሽወደን ዝመጹ’ሞ ሕቶ ዑቕበኦም ዝተነጽጉ ቆልዑ ብዝምልከት፡ ኣብ ሽወደን፡ ብCSN እናተደገፉ ትምህርቶም ዝከታተሉን ብድሕሪኡ ድማ ንሓደ ዓመታት ኣብ ስራሕ ምስ ጸንሑ ድማ ነባርነት ክወሃቦም ዝብል ውሳኔ ዝነበረ፡ እቲ ግዜ ናብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጎድል ዝብል እማመ ንዘተ ቀሪቡ ከምዝነበረ ይዝከር።
ይኹን እምበር፡ እዚ እማመ ብሰልፍታት ሶሻል ዲሞክትራትናን ሚልዮፓርትየትን ደገፍ ክረክብ እንከሎ፡ ብሰልፍታት ሰንተርን ሊበራልን ግን ተሪር ተቛውሞ ከምዝረኸበ ተፈሊጡ።
እቶም ኣብ ሽወደን ንኽጸንሑ ፍቓድ ዝተዋህቦም ሰባት፡ ሓገዝ እናረኸቡ ክነበሩ ይኽእሉ እዮም፡ እንተ እቶም ፍቓድ ዘይረኸቡ ሰባት ግን ብዘይ ኣፈላላይ ካብ ሽወደን ክወጹ ክዳለዉ ይግባእ ክብል ወሃብ ቃል ሰልፊ ሊበራል፡ ፍሬድሪክ ማልም፡ ኣዘኻኺሩ። ኣቐድም ኣቢሉ ሰልፊ ሰንተር፡ ነቲ ዝቐረበ እማመ፡ ከምዘይሰማማዓሎምን ብ”ኣይፋል” ከድምጽ ምዃኑ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
መንግስቲ ሽወደን ብሰልፍታት ሶሻል ዲሞክራትና፡ ሊበራል፡ ሚልዮፓርትየትን ሰንተርን ዝቖመ ምዃኑ ይፍለጥ።