መንግስቲ ስራሕ ንዘይብሎም ስደተኛታት ኣመልኪቱ፥ ንጹር ምልከት ቋንቋ ሽወደን፡ ከምኡ’ውን ርእስኻ ምኽኣል ዝብሉ ጠለባት
ከቕርብ ውጥን ከም ዘለዎ፡ ጋዜጣ “ዳገንስ ንሂተር” ገሊጻ። ምውህሃድ ስድራቤታት ኣብዞም ጠለባት ዝተሞርከሰ ክኸውን እዩ
ክብል፥ ኣባል ሰልፊ ሊበራል ዝኾነ ሚኒስተር ሽቕለትን ምውህሃድን ጆሃን ፐርሾን፥ ነታ ጋዜጣ ሓቢሩ’ሎ።
ሰባት ብኸመይ እዮም ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ሽወደን ዕዉታት ክኾኑ ዝኽእሉ ዝብል መርመራ ይካየድ ኣሎ ዝበለ እቲ ዜና፡ ፖሊሲ
ምውህሃድ ኣብዚ ጠለባት መንግስቲ፥ ከምኡ’ውን ሰባት ክሳብ ክንደይ ሓላፍነት ክወስዱ ይኽእሉ ኣብ ዝብል ዝምርኮስ ንምግባር
ይስራሓሉ ምህላዉ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ብመሰረት እዚ ውጥን፥ ኤጀንሲታት መንግስቲ ንጹር መምርሒታትን ረቛሒታትን ክወሃባ
እየን። ገለ ካብዚ መምርሒታት፥ ሰባት ምልከት ቋንቋ ሽወደን ከመሓይሹ ምግባር፡ ከምኡ’ውን ዕድል ስራሕ ወይ ትምህርቲ ናብ
ዘለዎ ቦታ ምስ ዝሕበሩ፥ ስራሕ ኣልቦ ሰባት እንታይ ግብረመልሲ ይህቡ ብጥብቂ ምክትታል ዝብል ይርከቦ። ንኣብነት፥ ኣብ ሓደ
ቦታ ስራሕ ምስ ዝፍጠር ፡ መልዕሎ መንግስቲ ንምርካብ፡ እዞም ስራሕ ኣልቦ ሰባት ናብኡ ክግዕዙ ከድልዮም እዩ ክብል ፐርሾን
ገሊጹ’ሎ።
እንተኾነ ግና ኣገልግሎት ሽቕለት ሽወደን ነዚ ጠለብ ብኸመይ ይሕዞ ኣብ ዝብል ርኡይ ጒድለታት ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ። መንግስቲ
መርመራኡ ድሕሪ ምውዳእ፥ እማመኡ ኣብ ዝመጽእ ጥሪ ከዳሉ፡ ኣብ ሳመር 2024 ከኣ እዚ ጒዳይ ናብ ባይቶ ክቐርብ እዩ ዝብል
ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።